The PFDJ expels the Italian engineering & construction company, - TopicsExpress



          

The PFDJ expels the Italian engineering & construction company, PICCINI following a disagreement after its attempt to use the company’s name to import goods banned by the UNSC sanction assenna/ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ንኢጣልያዊ ኩባንያ Piccini ኣብ ኤርትራ ክነጥፍ ሂቡዎ ንዝነብረ ፍቓድ ስራሕ ብምስራዝ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ከምዝኣዘዞ ምንጭታትና ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኣህጉራዊ እገዳ ሸመታ ኣጽዋር ጸኒዑ ብጉልባብ Piccini እጉድ መሳርሒ ኣጽዋርን ጥረነገራት ናብ ኤርትራ ክእቱ ብምፍታኑ እዩ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘይምስምማዕ ተራእዩ። Piccini ነቲ ብስም ትካሉ ዝተገብረ ሸመታ ኣጽዋርን ጥረነገራትን ናቱ ከምዘይኮነ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ እዩ፣ ቤት ጽሕፈት “ፕረዚደንት” ኢሳይያስ እቲ ትካል ካብ ኤርትራ ክወጽእ ኣዚዙ። Piccini Group ብ1949 ኣብ ሚላኖ ዓዲ ጥልያን ዝተመስረተ ዓለምለኻዊ ናይ engineering ከምኡ ‘ውን ማሽነሪ ትካል ኮይኑ ኣብዚ እዋን’ዚ ብናይ ኤርትራዊ መብቆል ዘለዎ ኣቶ መኮነን ኣስመሮም ዝውነን እዩ። ምንጭታትና ከምዘረጋገጹዎ፣ እቲ Piccini ምስ ስርዓት ኢሳይያስ በጺሑዎ ዝነበረ ውዕላት፣ Luxury Residential Building and Resorts ኣብ ከተማ ምጽዋዕን ኣስመራን Presidential Palace ማእከል ምክልኻል ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ምህናጽ ዘበናዊ ኣባይቲ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ወጻኢ ዘጠቓልል እዩ። እቶም ምንጭታት ከምዝሓበሩዎ፣ ሚኒስተር ህንጻን ህዝባዊ ስርሓትን ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዝፈልጦ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።
Posted on: Thu, 22 Aug 2013 14:56:58 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015