ህዝባዊ ግንባር 9 May · Asmara, - TopicsExpress



          

ህዝባዊ ግንባር 9 May · Asmara, Eritrea ንብርሃን ጸሓይ ብኢድካ ምኽዋል ኣይከኣልን`ዩ ኣብዚ ዘለናዮ ስልጡን ዘመን፡ ሓቅታት ምኽዋል፡ ከም ንብርሃን ጸሓይ ብኢድካ ምኽዋል ዘይከኣል ስለዝኾነ፡ ብብርዕን ልሳንን ውልቀ ሰባት ዝሽፈን ወይ ዝልወጥ ታሪኽ ክህሉ ኣይክእልን። የግዳስ ነዚ ሓቂ`ዚ ዘይተገንዘቡ፡ ካድራት ወያነን ልኡካቶምን ብመልክዕ ቃለ ምልልሳት መጽሓፍትን ደርፍታትን ከምኡ`ውን ኣሳእል ኣቢሎም ንሞያዊ ስነ ምግባር ዕሽሽ ኢሎም ሕሉፍ ታሪክ ህዝቢ ኤርትራ ከመራስሑ ናተይ ኢሎም ተተሓሒዞሞ ኣለዉ። ድርኪት ናይዚ ዘመተ`ዚ፡ ንመራሕቲ ወያነ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ከቀንዝዎምን ከሳቅዮምን ዝጸንሓ፡ኣብ ኣእምሮኦም በሰላ ዝገደፈ፡ ኣብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝሰረጸ መረዳእታ እዩ። ኣብ1989-1990 ዓ.ም ስርዓት ደርጊ ጉዳይ ኤርትራ ብሰላም ንምፍታሕ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ምስ ህዝባዊ ግምባር ብወካልነት ምዕራባዊያን ዝርርብ እንዳተገብረ እንከሎ፡ ነፍስሄር መለስ ሓለቓ ጭፍራ ወያኔ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ምስ ሓደ ኣቐዲሙ ወኪል ናይ ሲ.ኣይ. ኤ ዝነበረ ኣብቲ እዋን እቲ ግን ካብ ሲ.ኣይ. ኤ ዝወጸ ንኸምስል ከም ጋዜጠግኛ ኮይኑ ንዘቅረበሉ ቃለ መሕትት መለስ ካብ ዝሃቦም መልስታት ክጠቅስ፦ 1. ኤርትራ ከም ሃገር ክትጸንሕ ዘይትኽእል ብሰንኪ ዘይምስናይ ብሄራትን ሃይማኖትን ኣብ ሓጺር እዋን ተሓሚሳ እትፈርስ ሃገር ምዃና። 2. ንሕና ይብል ነፍስሄር መለስ፡ ካብ ህ.ግ ዋላ ሓንቲ ንጽበዮ ነገር የለን፡ ርእስና ኽኢልና ንንቃሳቐስ ውድብ ኢና፡ ንስርዓት ደርጊ ንምብራስ ደኣልና ምስኦም ንተሓጋገዝ ዘለና እምበር ልዕሌና፡ ዋላሓንቲ ዓቕሚ የብሎምን ይብል። 3. ሒጅ ድማ ዝሑል ኲናት ብዓወት ኣመሪካ ተዛዚሙ ስለ ዘሎ፡ እታ እንኮ ሓያል ሃገር ንሳ ኾይና ኢያ ክትቅጽል፡ ድሕሪ ሕጂ ድማ ነዚ ስለ ንኣምን ምስ ኣመሪካ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ኢና ንደሊ። 4. ኣማራርሓኹም ማርክሳዊ ሌኒናዊ ስለዝኾነ፡ ብኸመይ ኢልኩም ምሳና ክተስርሑ ትኽእሉ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ። ንሕና ካብቲ መስመር እቲ ካብ ንርሕቕ ብዙሕ ኢና ጌርና። ምናልባት በቲ ዓይነት ኣማራርሓ ክንቅጽል ዝደልዩ ኣባላት ኣይሰኣኑናን ኢዮም፡ ተኾነ ግን ኣብ መስመርና ከምዝኽተሉ ክንገብሮም ኢና ኢሉ ይምልስ። ስለዚ እቲ ሕጂ ዘተግብሩዎ ዘለዉ፡ ጠጂኦሞ ዝነብሩ ሽርሕታት እዩ። እቲ ዕላማ ድማ ዘይኮንካዮ ንምዃን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከም ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ናይ ምንባር ክዉንነቶም ዘየተኣማምኖም ስለዝኾነ`ዩ፡ ሀ. ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ነቲ ናይ ኣምሓሩ፡ ኤርትራ ናብ ኢትዮጲያ ንኽትምለስ ዘለዎም ሕልሚ ንምምዝማዝን ዕድሚኦም ንምንዋሕን። ለ. ብተወሳኺ ኸኣ እቲ ሓሶት አንተተደጋግገመስ ሓቂ እንዳኾነ ኢዩ ዝኸይድ ዝብል ጉጉይ ፍልስፍና ተጠቒሞም ነቲ መጻኢ ወለዶ ኤርትራ ኣብ ርእሱ ከይተኣማመን ብምግባር፡ ኣብ መወዳእታ ንኤርትራ ብምዕብላል፡ እቲ ሕልሚ ደርሆ ዝኾነ ሕልሞም ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ንምትግባር ኢዩ። ሐ. በዚ ሓሶታት እዚ ንኤርትራ ብምጽላም ንመወልቶምን ህዝቢ ዓለምን ንምድንጋር`ዩ። ስለዚ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ካብቲ ቡዙሕ ብዛዕባ ወያነ ዝተባህለ ድማ እስከ ንርኤ፡ መራሒ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ ዝተዛረቦ ክልተ ጥቅስታት ክጠቅስ። መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ኣብ ድሮ`ቲ ንሰውራ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ገጽ መሬት ንምድምሳስ ኣብ 1982 ዓ.ም. *ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ* ብዝብል መጸውዒ ዘበገሶ ገዚፍ መጥቃዕቲ፡ 6ይ ወራር፡ ኣብ ኣልጌን ንዝተኣከበ ሰራዊቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፦ እቲ ቀንድን ዝዓበየን ደመኛ ጸላኢ ኣብዮትና፡ ሻዕብያ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ካልኦት ወንበዴታት ዘዕጥቅን ዘሰልጥንን ንሱ እዩ። ሻዕብያ እንተ ጠፊኡ ካልኦት ኩሎም ህልውና የብሎምን። ስለዚ ድማዩ፡ እዚ ጸላኢ`ዚ ዝተከፍለ መስዋእቲ ተከፊሉ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክድምሰስ ዘለዎ፡ ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ስልጣን ድሕሪ ምግላፉ፡ ዳግማይ ኣብ 7ይ ዓመቱ። ማለት ኣብ 1998 ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፡ ብዛዕባ ወያነ ተሓቲቱ ነይሩ፡ ከምዚ ክብል ድማ መሊሱ፦ ንሕና ምስ ሻዕብያ ኢና ተዋጊእና፡ ምስ ካልእ ንዋጋእ ኣለና ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን። ነዞም ሰባት እዚኣቶም /ንመራሕቲ ወያነ ማለቱ`ዩ/ ፈጺምና ኣይንፈልጦምን ኢና። ካልእሲ ይትረፍ ናይ ስለያ ትካላትና ኣስማቶም`ውን ንሓንቲ መዓልቲ`ውን ትኩን ኣይመዝገቦምን ውሕጅ ተሰኪሙ ዘምጽኦም ሰባት`ዮም ክብል ዘይሰምዐ ዘሎ`ውን ኣይመስለንን እዚን ካልእን ከምኡ ዝመሰለ ሓያሎ ብህሎታት ንቃልሲ ህዝብታት ናይ ምስትንዓቅ መግለጺታት ብምኻኑ፡ ብኤርትራ ወያነ ተቀባልነት የብሉን። ይኩን`ምበር፡ ካብ መራሒ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ጀሚርካ፡ ዝኣምንሉ እዩ። ንወያነ ከም መቀጸልታን ልኡክን ናይ ሻዕብያ`ምበር ከም ርእሱ ዝከኣለ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓይልሊ ጠሚቶሞ ኣይፈልጡን። እዚ ኣብ ቡዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝሰረጸ መረዳእታ ነቲ ብዓንተቦኡ ኣብ ኣእምሮ መራሕቲ ወያነ ዝነበረ፡ ኩነተ ነፍሰ ምትሓት ዝያዳ ኣጋዲድዎ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእሶምን ታሪኮምን ምትእምማን ከም ዘጥፍኡ እዩ ገይርዎም። ብዓቢኡ ድማ ኣብ ልዕሊ`ቲ ደጋፊኦምን ሓብሓቢኦምን በዓል ጽቡቆም ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1998 ኹናት ክኸፍቱ ካብ ዝደረኮም ብዙሕ ስምዒታት ሓደ፡ እዚ ኩነተ ኣእምሮ`ዚ እዩ። ሓደ ካብ ዕላማታት ወራሮም፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ገሪፍካን ኣምበርኪክካን፡ ጎብለል ሙኻንካ ብምርኣይ፡ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተቀባልነት ንምርካብ`ዩ ነይሩ። ፈተንኦም ግን ኣይሰርሓን። መራሕቲ ወያነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጸሓፍቲ ታሪክ፡ ተለሃይቲ/ደረፍቲ/ ቀባእትን ካልኦትን ብምዕሳብ ይኩን ብዝተፈላለየ መንገድታት፡ ታሪኽ ኣዘንቢዖም ብምቅራብ ዘይኮንዎ ንምምሳል ህርድግ ክብሉ ዝርብጾም ዘሎ ምክኒያት እምበኣር፡ ብቀንዱ እዚ ዝተጠቅሰ ጉድለት ርእሰ ምትእምማን`ዩ። ስለዚ ከምቲ ኣንበሳ ንግዳዩ ኣድብዩ ዚጽበዮ ፡ ንሕና ድማ ነቶም ገበርቲ ክፍኣት ኣድቢና ጥራሕ ንጸበዮም ወትሩ እቲ ዓወት ዝልማዱ ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቱ ብዝመጹ እንተመጹ ናይ ምግጣም ብቅዓቱ ከም ቀደሙ`ዩ። ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዋሕስ ህላዌና እዩ ! ሰማእታትና ዘንተዕለት ይዘከሩ ! ዓወት ንሓፋሽ ! ተኬኤ ክብሮም ! ስዊዘርላንድ 09/05/2014
Posted on: Sat, 26 Jul 2014 04:40:25 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015