ሕቡእ ግን ከዓ ቁሉዕ ጉጅለ - TopicsExpress



          

ሕቡእ ግን ከዓ ቁሉዕ ጉጅለ ፌስቡክ ==================== ዝተገረሃካ ትግራዋይ እንተሃሊካ … ሕቶ ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ህዝብካ ኣተሓሳስቡካ ኣብዚ መዋግዒ መድረኽ ከከንድዝኸኣልካዮ ምቅላስካ ዝነኣድ ኮይኑ … ግን ኣብዚ ናይ ፌስቡክ ቃልሲ ክተተስተዋዕለሉ ዝግበኣካ ጉዳይ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ጫካ ፌስቡክ ሑቡኣት ግን ከዓ ቁሉዓት ጉጅለታት ኣለው፡፡ እዞም ጉጅለታት ብኣፍ ትግራይ ትግራይ ዝብሉ ኮይኖም መተኣኻኸቢ ነጥቦም ግን ከባብያውነትን እዩ ኢልካ ክድምድሞ ትኽእለሉ ሃዋህው ኣሎ፡፡ ብርግፅ ገለግለ ገጅለታት ውን ሓወሲ ውሕልነትን ውርዝየትን ኣለና እንዳበሉ ኣብ ክነዲ መትከሎም ፈልዮም ምቅላስ ሸላው ላጋ ዝፃወቱ ኣለዉ፡፡ ብዝኾነ ሕቶ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ህዝብና ተሸፊኖም ውልቃውን ጎጣውን ረብሓታቶም ከፈፅሙ ዝደሉዩ ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ኣለው፡፡ ኣነ ከም ውልቀ ሰብ እዚ ዝብል ዘለኹ ንዝኣመነሉ ውድብ ክውግን ደልየ ወይ ውን ውልቃዊ ኣጀንዳ ሃልይኑ ኣይኮነን፡፡ ሐዚ ውን እቶም ፈሊጦም ዘጥፍኡ ጫውጫው ምባሎም ኣይተርፍን፡፡ ብግርህነት ዝጎዓዝ ትግራዋይ ግን ነዚ ፈሊጡ ነብሱ ክፍትሽን ስለዝደሊ እየ፡፡ ክንቃለስ እንተኾና ውን ብቕንዕና ሓድነት ትግራይ ብዘይጎድእ መልክዑ እምበር ናብ ትሩኽሩኽ እንተኣቲናስ ነቲ ህዝቢ ውን ክንብድሎ ኢና፡፡ ስለዚ ክሉኻ ብስሙር ትግራዋይነትን ሓድነት ህዝብካን ትኣምንን ክትቃለስ ትደልን ትግራዋይ፤ ሕቡእ ድልየት ዘለዎም ጉጅታት ምህላወም ኣብ ግምት ኣእቲኻ ጥንቃቐ ክትገብር በዛ ዓቕመይ ክገልፅ ይፎቱ፡፡
Posted on: Sat, 13 Dec 2014 07:38:36 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015