ቀሺ ሙሴ ሺሻይ፤ እዚ መልእኽቲ ንዓኻ - TopicsExpress



          

ቀሺ ሙሴ ሺሻይ፤ እዚ መልእኽቲ ንዓኻ ጥራሕ ዝምልከት እዩ፤፤ ብቀጻሊ ንትጽሕፎ ምቅጻል ቤተርክርስትያናት ኣብ ግብጺ ዝምልከት፤ ግብጻውያን ንኹላትና ሓደ እዮም ዝብጹሑና ከም ኤርትራውያን፤፤ ሰላም የውርደሎም ካኣ ንብል፤፤ ኣነ ዝሃብኩኻ ኮመንት ድሊት ትገብሮ፤፤ መልሲ ኻኣ ኣብ ኢንቦክስ ናተይ ትጽሕፈለይ፤፤ ኣነ ክም ሽምካ ቀሺ ጌረ እየ ዝርእየካ ፤ ናይ ብሓቂ ቀሺ ዲኻ ወላ መደናገሪ ወይ ካልእ ኣጀንዳ ኣለካ ቀስ ኢሉ ዝፍለጥ ነገር ክኸውን እዩ፤፤ ንዝጻሓፍካዮ ጸርፊን ምንእኣስ ሃይማኖት ኤርትርዋያን ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ተቃለስቲ ተኣረመሉ እብለካ ፤፤ ግን ሓደ ነገር ክስምረልካ ሳላ እቲ ረሳሕ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ብዙሕ ተማሂርና ኢና ፤ ድሕሪ ደጊም ብዝኾነ ይኹን መገዲ ብቀሺ ከምዚ ከማኻ ይኹን ሸክና ፤ ጳጳስ ይኹን ሙፍቲ ፤ ሙሁር ይኹን ሊቀ ሊቃውንቲ ናይ ሃይማኖት ን ወገንነትን ዓሌትን ምፍልላይ ድዘዝዎ ውልቀ ሰብ ንሓድነት ህዝቢ ዝትንክፍ ከምዘይንስዕቦን እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ከም እንምክቶ ፍለጥ ፤ ታዓሚትክ ምኻድ ተሪፉ እዩ፤፤ ንጌጋኻ ኻኣ ተኣረመሉ ይብል ደጊመ፤፤ ወዳሓንካ
Posted on: Thu, 22 Aug 2013 10:20:22 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015