ንሓውና Abraha Desta መንነትካን ፖለቲካዊ - TopicsExpress



          

ንሓውና Abraha Desta መንነትካን ፖለቲካዊ እምነትካን ቀሊዕኻ ምቕራብካ ፅቡቕን ክልመድን ዘለዎ እዩ፡፡ ኣብዚ ኣብ ፌስ ቡክ ዝመሰልካ ምፅሓፍ እውን መሰልካ እዩ፡፡ ምቅዋም እውን ሕገ መንግስታዊ መሰል እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ መሬት ትግራይ ግድፈታት ወይ ድማ ፀገማት ጥራሕ ኣይኮኑን ዘለዉ፡፡ ተስፋ ዝህብ ብርሁው ኩነት እውን’ሎ፡፡ ህዝቢ ካብቲ ዘለዎ ከርፋሕ ናብራ እግሩ ከውፅእ ምስ ከውሒ ይገጥም’ሎ፡፡ ብራቕ ፀሓይ እምበር ዓራርቦ ዘርእዮ ኣይደልን፡፡ ተቓዋሚ ኮይንካ ብምቅላስ ፅባሕ ንግስነት ንምሓዝ ነቲ ቅድመኻ ዝተሰርሐ ክብሪ ምሃብ የድሊ፡፡ ንኣብነት ቅድሚ ሎሚ ሰባት ተዘይቃለሱ ነይሮም ሎሚ እቲ ረኺብካዮ ዘለኻ ናይ ምቅዋም ዕድል ጨና ማይ ምኾነ ይነብር፡፡ ስለዚ ፀገማት ጥራሕ ብምዝራብ ህዝባዊ ድጋፍ ኣይርከብን፡፡ ነቲ ብዓይኒ ዝረአ ተስፋ ወሃቢ ለውጢ እውን ክካሓድ የብሉን፡፡ ጨላልቃ ተቓዋምን ዕሙት ደጋፍን ምዃን ክልቲኡ ጫፍ ኣይፅቡቕን፡፡ ነቲ ፅቡቕ እውን ከይካሓድካ ነቲ ግድፈት እውን ከይሰገርካ ክቐርብ ኣለዎ፡፡ ከምቲ ኣብ ፅቡቕ ሕማቕ ዘሎ ኣብ ሕማቕ እውን ፅቡቕ ምህላዉ ኣይንረስዕ፡፡ ኣብ ትግራይ ይዕበ ይንኣስ ለውጢ’ሎ፤ እዚ ድማ (ኣብ ደገ ንሃሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር፤ ደገፍቲ ንኹን ተቓወምቲ) ናይ ኩላትና ውፅኢት ፃዕሪ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብቶም ተቕርቦም ዘለኻ ሓሳባት ርጉፅነት ክህልወካ ይግባእ፡፡ ሚዛን ምሕላው ቀዳምነት ክብሪ ክዋሃቦ ዝግባእ መትከል እዩ፡፡ ተቓወምቲ ኣብ ክንዲ እግሪ እግሪ መንግስቲ እናኸዱ ግድፈታት ዝኣርዩ ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ዝሐሹ ምዃኖም ዘረጋግፅ መማረፂ ዕላማታት እንተዝቕርቡ እዩ ዝበለፀ ዝኸውን፡፡ ብናይ መንግስቲ ድኽመት ተይኮነስ ብናይ ባዕልኹም ዝሐሸ ትብልዎ ዕላማ ኢኹም ክትስዕሩ ክትቃለሱ ዝግባእ፡፡ ምቅዋም ዕላማ ኣይኮነን፡፡
Posted on: Thu, 07 Nov 2013 14:37:34 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015