ኣታጆ ህልም ዶ ኢልና? ሜስ ዶኾናይ ስትይ - TopicsExpress



          

ኣታጆ ህልም ዶ ኢልና? ሜስ ዶኾናይ ስትይ ቀኒናልኩም፡፡ ሜስ መስተ መኳንንቲ እንተበዚሓ ‘Mess’ እያ ትገብር ይብል ድርሳነ ግርማይ ገብሩ ‘ክስታይ 2’ ቁፅርን ዓንቀፅን እንተደሊኹም ሃሰስ ኢልኩም ርኽብዎ፡፡ ሜስ ተበልናኩምኸ ሜስዶ መሲልኩም (ሰኽራማትያ በሉና ለለ … ኮይናታ ሓንቲ ሓንቲ እና ጥዒምና) ኣብኡ ኣብቲ መረባ ‘Rahel Art Gallery’ (ራሄል ቤተ-ጥበብ):: Art Gallery ዝብል ቃል ብእንግሊዘኛ ኣፍ ንምንታይ ይኸውን ግጣሙ ትግርኛ ክንደልየሉ ኢና ናበይ ኬድና ኣለና ኣይሞትናን ኢሉ ግርማይ ብተለምዶ Art Gallery ኢልና ንፅውዖ ቃል ‘ቤተ-ጥበብ’ ዝብል ቃል ሓርይሉ ካብቲ ሃፍታም ትግርኛና፡፡ ይርአይዎለዉስ ራሄል ኢሎማታ ክንፀውየላ ናታ፡፡ ራሄል ብሉፅ ዝብሉዋ ብልፅቲ ንእስቲ ሓንቲ ኣይትቐርያን ኩሉ እጃ ትኽእሎ፡፡ ናይ ኣስኳላ ነገር እንተይልኩም ኣርክቲክት እያ፡፡ ሓደ በሉ … እቲ ኩለንተናዊ ጥበብ ብሓፈሽኡን ውሕልናን ከምዘሎ ወሲድኩም …. ብዓብይኡ ቀለም ጠሚዓ ብሩሽን ብራናን ኣራኺባ እንትትስእል ስኳ ታይ ክወፆ እሽ ኢልካ እሽ እዩ፡፡ እረ ታይከ ላሕ ኣበለኒ ትፈልጡዋታ ዶ የለኩምንዋ … ኣብኡ ኣብቲ ብፅላል ዋሪዓን ውፅኢት ጥበብ ዝማዕረገ መረባ ውፅኢት ፃዕርታት ራሄል ስእልታት እኒሀልኩም ርኢኹም ትፍስህሉ ፤ መዐደጊ ገፀ-በረከት ኣለኩም ንፈታዊኩም ትህብዎ ፤ መፅሓፍቲ እኒሆ ኮፍ ኢልኩም እተንብብዎ … ሻሂ ቡናለ መጠበሪ ውቃበኹም … ምስያት ስነ-ፅሑፍ ለ ጀሚሮቶምሉ ኣለው ለባማት ቀዳም ቀዳም ድሕሪ ፋዱስ (ለውጢ ፕሮግራም ተዘይሃሊዩ) …. ዋይ ኣነ ወዲ ኣታ መቐለ ደያ ኣይትኾንይ …. ፎውሲ ፀውታ ዳሪግና መሪቕና ከፊትና ኢና መቸም… እሞ ኣቡ ዘለኹም ኪዱ ናብቲ ቀበሌ 16 ጥቓ ጥዕና ጣብያ ቀደም ግእዝ ላውንጅ ዝነበረ ኣብ ዝነበርኩም ኔርኩም ኺዱ ብርክኹም ዓጺፍኩም ኣዕርፉ Nega Habtom Zebib Birhan Abel Goitom Báshá Amanuel HaHu Kibrom Tesfaalem
Posted on: Thu, 25 Dec 2014 14:58:07 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015