ውህብቶ ድምጻዊ ሰሎሞን - TopicsExpress



          

ውህብቶ ድምጻዊ ሰሎሞን ሃይለ.... ውህብቶ ዝርእሳ ሳልሰይቲ ኣልበም ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ካብ ትብርከት ላብዙይ፡ ብርክት ልበሉ መዳመጽቲ ሙዚቃ ትግርኛ ከከም ርድኢቶም መዚኖምን ገምጊሞምን ኣንቢበ ለኹ። ዓቕሚ ምግምጋመይ ልተሓተ ኳ ተኾነ፡ ልተሰመዐካ ዓቂንኻ ጽወ ልብል ተሓዚ እኒሀኒ ሞ ስምዑኒ :-) ብመጀመርያ፡ ሀም እል ሰሎሞን ልበሉ ክኢላታት ጥበብ ይሰስኑልና፡ ይበርክቱልና ። ገለ ገለ ባህርታት ኣሳድዳ ቃላቱ ንጎኒ ሓዲግካ፡ ኣሰራርዓ ግጥምታቱን ኣቃንያ ዜማታቱን ብሓቂ ካብታ ኻልአይትን ፍትውትን ኣልበሙ ብዝበልፅ እምበይ ብዘይትሕት መልክዑ ተደሪሳ ልወፀት ውህብቶ ኣልበሙ፥ ክእለትን ጥበብን ሰሎሞን ከም ዘይነፅፍ ኣመስኪራትሉ። ብሓፂሩ፡ ትሕዝቶን ታሪኽን እታ ውህብቶ ዳርጋ ካልኣይ ክፋል እታ ካልአይቲ ኣልበሙ እያ ትመስል። ሽሙን ዝንኡን ሐዚ እውን ኣብ ቦትኡ ሎ። ተሃዊኽካ ከይትብሉኒ ኣይተሃወኽኩን፡ ግዘን ኣቓልቦን ሂበ እየ ኣዳሚፀየን። እተን ደርፍታቱ ብደረጃ ናእዳ ስርዐየን ተዝበሃል፥ (1) ወለሎ፡ (2) በዓልቲ ማዕዶ፡ (3)ሽኮሪና፡ (4) ፀምዩ ገዛና፡ (5)ሃብኒ ፍቕሪ - - - ወዘተ እናበልኹ ምቐጸልኩ። [ዓለም] እትብል ደርፉ፡ ኣብ ክንዲ ብዝተለመደ ኣፀዋውዓ፡ ብጎዶሎ ገይሩ ኣካፊኡን ኣማሪሩን ክደርፈላ፡ ብሓዱሽ ቅዲ ኣጣዕዩን ኣተስፊዩን ብዘይተለመደ ኣንፈት ተዝደርፈላ ቃሕ ምበለኒ። ኣብ ገለ ገለ ደርፍታቱ ቅድሚ ሐዚ ናይ ዝፍለጡ ዜማታት ከም ሕውስ ኣቢሉ ሎ፥ ዝድገፍ ኳ እንተዘይኮነ እንኳዕ ግን ኣየበላሸዋሉን ኣየሕመቓሉን። ላፀናሕኻ ተሰማዕኻዮ ላፎተኻዮ ልትኸድ ጣዕሚ ደርፍታቱ ከካብ ልግነዮ ቦታ እላዓደግና ብምስትምቓር ተገዳሽነትናይ ፍቕርናይ ንግለፀሉ፡፡ ካብ ክልተ ሰለስተ ደርፊ ብላዕሊ ኣብ youtube እንተጠቃዕና ኳ ንረብሖ ዘይኮንናስ ንሃስዮ ኢና ዘለና ሞ፡ ገለ ካብተን ዝፈተኽወን ደርፍታቱ ቑንጥር ኣቢለ ከላልየኩም፡ ዓዲግኩም ድማ ተዳምጽወን። (I) በዓልቲ ማዕዶ፡- ኣንቱም ን ኣፍቃሪትኹም ቃል ኣቲኹምን ኣእቲኹምን ዓዲ ጓና ምስ ሰነኹም፡ ደሃያ ከም ኣቦይዝጊ ሓጋይ ኾይንኩም ዳርጋ ኣብ ደንደስ ምርስሳዕ ዝበፃሕኩም ፡ በይዛ ርእስኹም ትኹን ዋ እዛ ደርፊ ዚኣ እናዳመፅኩም ቅንዝውዝው በሉ :-) ወለላ መዓረይ ከመይ ድኣሉ ቲ ወረ ኣይእመንን ድዩ ባሕሪ ተሳጊሩ ርሑቕ ዝወረፈረ - ዶብ ዝሰገረ፥ ኣንቲ ኮኾብ ተናፋቒት በዓልቲ ማዕዶ ስደተኛ የናፍቕ ደኣ ምበር የጠላልም ድዩ ዓዲ ጓና። ---- ብዘይ ሳእኒ ጥራሕ እግረይ -- ሕሩጭ ፀይረ ኣብ ዝባነይ ሓሊመልኪ እናሰዓምክኒ ብዕርቃነይ፥ ኣንቲ ኮኾብ ሰማይ ናይዛ ልበይ ዘወዲ ሃተፍተፍ በዚሑ ኣይደሓንናን ግዲ፥ በዓልኺ ፍትሕለይ ሕርይተይ ኮኾበይ ፈሪሐኪ የ ምበር ኣይነጥብን ሕልመይ፡፡ (II) ወለሎ፡ ኣብዙይ ለሎ ግጥሚ ማ ለለ እንድዒ፥ በዓልቲ ታሪኽ እዚ ደርፊ ኣይግበርክን ኣሓተይ:) ኣስተማቒሩ ንዘዳምፆ ታራ ሰብ ኳስ ሃንደበት ግብ ኣቢሉ ሒዙካ ጭልጥ እዩ ልብል። ከመይ ለ ክፃወሮ ከመይ ለ ክፅመሞ ዓስበይ ኣነ ደኣ ተበዲለ እንድየ ሞ፥ ሚዘረየ ኩሑሎ ሚዘረየ ወለላ ደርቢኽኒ እንዳኣልኪ ኢልክኒ ሻላማላ፥ ዕጫና ምፍልላይ ይኹን እምበር ዋላ ኣዳቒልና ኢና ፍቕሪ ተጋፊፍና ኢና ኣንሶላ፥ [ኣንሶላ ተጋፊፍኩም ዝተፈላለኹም ተሊኹም ጽንዓት ይሃብኩም:-P] I wish if i could keep on giving my personal comments on each of the beautiful and ironic songs of our talented brother Solomon Haile, but i would run out of time and even space. I take my hat off to him!!! ዘነበ/Zenebe
Posted on: Fri, 08 Aug 2014 08:08:53 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015